ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ማይ-ሓባር፡ ብ9 ዓውድታት ከተምህሮም ዝጸንሐት 46 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 179 ተመሃሮ፡ ትማሊ 12 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ።

ተመረቕቲ፡ ን2 ዓመት ብኣውቶመካኒክ፡ ስነ-ህንጻ፡ ንድፊ፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ድራውሊኮ፡ ሓፈሻዊ ስርሓት ሓጺን፡ ኤለትሮኒክስ፡ ቅየሳን ጽርበት ዕንጸይቲን፡ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተማህሩ እዮም።

ዳይረክተር ቤት-ምህርቲ ስነ-ኪነት ማይ-ሓባር መምህር ወሃብ መሓመድ- ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመረቕቲ ብተወሳኺ ናይ መካኒካዊ ስእሊን ኮምፕዩተርን ትምህርቲ እውን ከምዝወሰዱ ብምሕባር፡ ዝቐሰምዎ ፍልጠት መበገሲ ምዃኑ ተገንዚቦም – ብስራሕን ቀጻሊ ትምህርትን ከማዕብልዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርትን ስልጠናን ኣቶ ተስፋይ ስዩም ብወገኑ፡ ኣብ ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ወፍሪ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ተመረቕቲ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ሎሚ ዓመት መበል 19 ዙርያ ዘመረቐት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ማይ-ሓባር፡ ብድምር 4166 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ኣመሪቓ ኣላ።

Categories