ምጅማር ወርሒ ሸዋል እተበስር ሂላል፡ ጽባሕ ሓሙስ 14 ሰነ 2018 ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ስለ’ዚ ኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ምሸት ትኲራት ኰይኖም ክከታተሉ፡ ዝሰረቐት ሂላል ዝረኣየ ድማ ንዝቐረበ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ወይ ድማ መጅልስ ኣውቓፍ ምስክርነቱ ክህብ ይሕተት።

ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሸዋል ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምስ ዝረጋገጽ፡ ዒድ ኣልፈጥር ዓርቢ 15 ሰነ ይውዕል። ምስ ዘይረጋገጽ ግና፡ ዓርቢ 15 ሰነ መዛዘሚት ወርሒ ሮሞዳን ተቘጺራ፡ ዒድ ቀዳም 16 ሰነ ይኸውን።

ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር

ቤ/ጽ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን

Categories