ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ ተኽለየሱስ፡ ብ10 ሰነ 2018 ብሕማም ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ኢደ- ስራሓትን ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ብዝተፈላለየ ሞያን ጽፍሕታት ሓላፍነትን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ፈለማ ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 74 ብደረጃ ኣዛዚ ሓይሊ፡ ድሕሪኡ ኣብ ምምሕዳር ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ምምሕዳር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ 11 ሰነ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ከምኡ’ውን ምምሕዳር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሎም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ተኽለ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን ጽንዓት ተመንዮም።

Categories