ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ደርቡሸት – ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ መነባብሮኦም ብሓፈሻ ኣብ ጥዕና ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ መስተርሆት ከምዝፈጠረ ገሊጾም።

መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ክሳብ ኣብ’ቲ ምሕዱግ ከባቢታት ከይተረፈ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምዝርጋሕ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም እወታዊ ለውጢ የመዝግብ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብ ከባቢአን ትካል ጥዕና ብምህላዉ፡ ከምኡ’ውን ብዝካየደለን ቀጻሊ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ኣፍልጦአን ኣብ ዘበናዊ ሕክምና ከምዝበረኸ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ቀጻሊ ምክትታል ከምዝገብራ ዝሓበራ ኣደታት ብወገነን፡ ኣብቲ ትካል ጥዕና ዘሎ ሕጽረታት ክማላእ ተላብየን።

ምምሕዳር ከባቢ ደርቡሽት፡ ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ኮይና፡ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ንጥፈታት ባሕሪን ንኡስ ንግድን ዝምርኰስ ልዕሊ 2000 ነበርቲ ኣለውዋ።

Categories