ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ንብልጫን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ድዂዒ ከምኡ’ውን ኣበርክቶኡ ኣብ ምስሳን እቶታዊነት ብዝምልከት – ንኣብነታውያን ሓረስቶት ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ትምህርቲ፡ ባህርያዊ ድዂዒ ንምድላው ኣብ ዘድሊ ቀረባትን ኣገባብ ኣመሰራርሓኡን ዘተኰረ ኮይኑ፡ ሓረስቶት ረብሓታቱ ተገንዚቦም ኣተኲሮ ብምሃብ ንኸዘውትርዎ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን ኣቶ ሙሉጌታ ፍትዊ፡ ባህርያዊ ድዂዒ ንፍርያምነት መሬት ኮነ ምህርቲ፡ ካብ ዘበናዊ ድዂዒ ዝያዳ ብልጫ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ብቐሊሉ ካብ ቀልቀል እንስሳታትን ጓሓፍን ክዳሎ ዝኽእል ብምዃኑ እውን፡ ሓረስቶት ቀዳማይ ምርጫኦም ክገብርዎ ኣዘኻኺሩ።

ሰልጠንቲ፡ ብክኢላታት ሕርሻ ዝወሃቦም ምኽርን ትምህርትን ንተመኲሮኦም ዘሀብትም ብምዃኑ፡ ብግብሪ ክሰርሑሉ ምዃኖም ገሊጾም።

Categories