ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ብ9 ሰነ ኣብ ኣስመራ 4ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ እቲ ማሕበር – ኣብ ምንዳፍ ፖሊሲን መምርሕን ኣብያተ- መጻሕፍቲ፡ ንኲነታተን ዝድህስስ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ፡ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ምሃብ፡ ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ኣብ ምትእትታው፡ ኮማዊ ኣብያተ-ንባብ ኣብ ምስሳን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዓውዲ ዝምልከት ትምህርቲ ብደረጃ ዲግሪ ኣብ ምጅማር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ ወይዘሮ ኣዜብ ተወልደ ድማ፡ ማሕበር ምስ ኩሉ ብድሆታቱ፡ ኣብ ምስፋሕ ኣብያተ- ንባብ፡ ምስሳን ሞያውያን ኣብያተ- ንባብ፡ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ፡ ምስናድ ኣገደስቲ ጽሑፋትን ምዂስኳስ ባህሊ ንባብን ኣተኲሩ ከምዝነጥፍ ጠቒሳ፡ መንእሰያት ኣብ’ቲ ዓውዲ ኣሕዲሮምዎ ዘለዉ ተገዳስነት ፍናን ዘበርኽ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ማሕበር፡ ጸብጻብ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ፡ ኦዲት፡ ጸብጻብ ንጥፈታት ማሕበር ኣብ ዞባታት፡ ምምራጽ ንምምሕያሽ ቅዋም ማሕበር እትከታተል ኮሚተ፡ ከምኡ’ውን መግለጺ ኣብ ባህላዊ ውርሻን ሕጋዊ መዳዩን ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ንማሕበር እተመሓድር 13 ዝኣባላታ ፈጻሚት ኮሚተ ተመሪጻ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ኣብ ዘስመዖ ናይ መዕጸዊ ቃል ከኣ፡ ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ መረዳእታ ሕብረተሰብ ኣብ ኣገዳስነት ኣብያተ-ንባብን ዕቃበ ሰነዳትን ክብ ኣብ ምባል ዘተባብዕ ዕማም የሰላስል ከምዘሎ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ብሓፈሻ ምስ’ቲ ዓውዲ ዝተኣሳሰር ትምህርቲ ዝቐሰሙ ድማ ብፍላይ፡ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories