ነበርቲ ኲዶፈላሲ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ዝግበረሎም ጥዕናዊ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን፡ ንቕሓቶምን ኣፍልጦኦምን ክብ ብምባል ኣብ ምዕቃብ ጥዕናኦም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ “ካብ ሓሚምካ ሕክምና፡ ተኸላኺልካ ጥዕና” ብዝብል ዕላማ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘላ ትካል ጥዕና ብስሩዕ ኣገባብን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝወሃቦም ኣስተምህሮታት፡ ኣብ ምክልኻልን ምግታእን ሕማማት ብሓፈሻ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ’ታ ትካል ጥዕና፡ ኣገልግሎት ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ፍወሳ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ክታበት፡ ወለንታዊ መርመራ ደም፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ቀዳማይ ረድኤት ከምዝረኽቡ ዝሓበሩ’ቶም ነበርቲ፡ ዝተረፈ ኣገልግሎታት ከምዝማልኣሎም ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ገሊጾም።

ሓላፊ’ታ ትካል ጥዕና ኣቶ ያሲን ዓብዱሰመድ፡ እታ ትካል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝግበረላ ዘሎ ቈላሕታ፡ ብዓቕሚ- ሰብን መሳርሒታትን ዝምስገን ምዕባለ ተመዝግብ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሓደ ነርስን ሓሙሽተ ተሓጋገዝቲ ነርስን ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ዝጠቐሰ ኣቶ ያሲን፡ ንዝበለጸ ኣገልግሎት ትሕተ-ቅርጻዊ ምትዕርራይ ክግበረላ ተላብዩ።

ትካል ጥዕና ኲዶ-ፈላሲ፡ ካብ ከተማ መንደፈራ ንሸነኽ ምብራቕ ኣርባዕተ ኪሎ-ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ንዓድታት ኲዶ-ፈላሲ፡ ደርዓንቶ፡ ምሕራም ጌዶ፡ ደብሪ፡ ማእዶ፡ እምባዛርብ፡ ዓዲ-ዓዳ፡ ዛግሪ፡ ዓዲ-ቖዶ፡ ዓዲ-ጋዕባን ዓዲ ጻውራን ተገልግል።

Categories