ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤልን ኣንጎላን፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ሃገሮም፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብ2 ሰነ ብልዑል ማዕርግ ጸምቢሎም።

ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ መደብ፡ ብድሙቕ ጓይላ ዝተሰነየ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ናጽነት ኤርትራ – ፍረ ተወፋይነትን ረዚን መስዋእትነትን መላእ ህዝቢ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነዚ ምዕቃብን ብልምዓት ምድርዑን ዜግነታዊ ግዴታ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ልዋንዳ፡ በንገላን ሉባንጎን – ኣንጎላ ኣብ ዘካየድዎ ተመሳሳሊ ጽምብል፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ብሓደ ቅኒት በዓል ናጽነቱ ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ከብዕል ምርኣይ፡ ሓበን ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ኣቶ ያቆብ ሰለሙን ድማ፡ ኣብ ኣገዳስነት ጥርናፈ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ካልእ ንጥፈት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ መንፈቓዊ ገምጋም ውዳበ ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ፡ ብ3 ሰነ ኣብ ከተማ ሚላኖ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዝተተግበሩ መደባትን ውጽኢቶምን፡ ከምኡ’ውን ዝነበሩ ብልጫታትን ሕጽረታትን ዘተኰረ ገምጋም ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ዝትግበር መደባት ተሓንጺጹ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ ንግስቲ ጸጋይን ዋና ጸሓፊት ናይ’ቲ ውዳበ ምልእተ ተወልደ-መድህንን፡ ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት፡ ምንጽጻር ማዕርነትን መሰል ደቂ-ኣንስትዮን፡ ህልው ብድሆታት ማሕበርን ደቂኣንስትዮን መብርሂ ኣቕሪበን።

Categories