ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ን30 ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ደቂ-ኣንስትዮ፡ 450 ሽሕ ናቕፋ ወለድ ዘይብሉ ልቃሕ ሂቡ።

ብ30 ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተገብረ ምርኽኻብ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ዳዊት ገብረክርስቶስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ቊጠባዊ ዓቕሚ ኣባላቱ ንምጒልባት በብእዋኑ ከተግብሮ ዝጸንሐ መደባት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በተን ደቂ-ኣንስትዮ ተጀሚሩ ዘሎ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ፡ በብደረጃኡ ኣብ’ቲ ዞባ ንዝርከቡ ስንኩላን ኲናት ንኽባጻሕ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ንነፍሲ-ወከፍ ዝተዋህበ ወለድ ዘይብሉ ናይ 15 ሽሕ ናቕፋ ልቓሕ፡ ስንኩላን ሰሪሖም ነብሶም ንክኽእሉን ናይ ምውህላልን ምቚጣብን ባህሊ ንኸስርጹን ከምዝሕግዝ ዝጠቐሰ ኣቶ ዳዊት፡ ንጥፈተንን ውጽኢተንን ተራእዩ፡ እቲ መጠን በብግዜኡ ክዛይድ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ዓንሰባን ኣባል ባይቶ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናትን ኣቶ ሳልም ዓሊ ሳልም ብወገኑ፡ ነቲ ዕድል ዝረኸባ ኣባላት ማሕበር፡ ናብራአን ኣመሓይሸን መጻኢአን ከውሕሳ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ኣዘኻኺሩ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ክልተ ሽሕ ምዝጉባት ኣባላት ኣለውዎ።

Categories