ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባታት ሰልዓን ከርከበትን፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዘተኰረ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣብ ርከብን ኣግማይትን ምስ ወከልቲ ህዝቢ ዝተኻየደ ዘተ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ብርሃነ ክፍለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ገስጋሱን ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

ኣካዳምያውን ሞያውን ዓቕሚ መንእሰያት ንምሕያል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዓንዲ-ሕቖ መደባት ልምዓት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ብርሃነ፡ መንእሰያት ብሓፈሻ እቶም ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ድማ ብፍላይ፡ ነዚ ዕድላት’ዚ ብግቡእ ተጠቒሞም ቀለስቲ ዝውጠኑ መደባት ልምዓትን ኣርኣያ ለውጥን ክኾኑ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባታት ዘሎ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ ተበጋጊሱ ዘሎ ዝተወሃሃደ ጻዕርታት ብዝለዓለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ ድማ፡ ወለዲ ንደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኹን ከተባብዑን ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት፡ ዘለዎም ጸገም ዝስተ ማይ ምፍታሕ ብቐዳምነት ክጥመት ኣዘኻኺሮም።

Categories