ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ትማሊ 2 ሰነ መበል 14 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባን ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባን ወነንቲ ብርኪ፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ኣካይዱ።

ኣቦ-መንበር ቦርድ ወነንቲ ብርኪ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ኣቶ ግርማይ ገብረመስቀል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ስሩዕ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ከም ዝለዓለ ኣካል ምምሕዳር ናይ’ቲ ኮርፖረሽን፡ ካብ 2004 በብዓመቱ እናተኣከበ፡ ኣብ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት – ብግሉጽነት፡ ምስትውዓልን ንቕሓትን ብምዝታይ ውሳነታት ከሕልፍ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ እዚ ኣኼባ’ዚ ካብ’ቲ ቅድመኡ ዝነበረ ኣኼባታት ፍልይ ዘብሎ፡ ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባ ወነንቲ ብርኪ’ውን ስለዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል ብወገኑ፡ ኣብ 2017 ኣብ ሃገርና 43.4 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት መድሕን ንዘለዎም ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ሓደጋታት ከምዘጓነፈ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ናይ 2016 ብ25 ሚእታዊት ከምዝነከይ ኣብሪሁ።

ኣቶ ዘርኡ ወሲኹ፡ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ኣብ 2017 ካብ ሓፈሻዊ መሸጣ ኣገልግሎት መድሕን 91.8 ሚልዮን ናቕፋ መኽሰብ ብምምዝጋብ፡ 83.8 ሚልዮን ካብ’ዚ ንወነንቲ ብርኪ ከመቓርሕ ብመንገዲ ቦርድ ተኣሚሙ ከምዘሎ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ጸብጻባት ቦርድ፡ ንጥፈታት ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራን ናይ 2017 ሕሳብን ምምቕራሕ መኽሰብን፡ ኣብ መበል 13 ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ዝተላዕሉ ነጥብታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ክትግበሩ ኣብ ዝተኣመሙ ዛዕባታት ብሰፊሑ ዘትዮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ካብ 4 ሰነ ጀሚሩ ምዕዳል ምቅሊት ወነንቲ ብርኪ ከተግብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ 1992 ዓ.ም. ዝተመስረተ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ 2200 ኤርትራውያን ወነንቲ ብርኪ ከምዘለውዎ፡ ብተወሳኺ ኸኣ መንግስትን ማዕከን መልዕሎ ስድራ ስዉኣትን ብርክታት ከምዝውንኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ኣብ ዝግበር ወነንቲ ብርኪ ዝሳተፍዎ ገምጋም ስራሕ፡ ብጽሒት መኽሰብ ከከም ዝውንንዎ ብርክታት ይመቓራሕ።

Categories