ጨናፍር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን፡ ውዳበታቶም ዘደንፍዕ መደባት ከምዘሰላሰሉ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ፡ “እርከና ደቂ- ኣንስትዮ መቕድም ምዕሩይነት” ብዝብል ቴማ፡ 5ይ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ በርን ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራውያን ውዳበታት ደገፎም ዝገለጹሉ ጉባኤ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ስለሺ እድሪስን፡ ንታሪኽ ኤርትራዊት ጓል- ኣንስተይቲ፡ ኣበርክቶኣ ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን፡ ከምኡ’ውን ንሃማደኤ ዝጽበዮ ዘሎ ዕማማት ዘተኰረ መግለጺታት ኣቕሪቦም።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ወይዘሮ ትርሓስ ተወልደ፡ ትግባረ ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስንትዮ ዘሐይሉ መደባት ንምርግጋጽ ብዝለዓለ ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጻ።

ተጋባእቲ፡ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ዘስርሐን ዝተመሓየሸ ቅዋም ኣጽዲቐንን፡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል መሪጸንን።

ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ጨንፈር ጀርመን፡ ብምኽንያት ቅነ ናጽነትን መዓልቲ ኣደን ኣብ ዝወደባኦ ምትእኽኻብ ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ክንክን ንዝግበረለን ደቂ- ኣንስትዮ ዝውዕል 2 ሽሕ ዩሮ ወፍየን።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን፡ ወይዘሮ ዑቕባ ኣፈወርቂ፡ መንግስቲ ንግዳያት ፊስቱላ ዝገብሮ ናጻ ናይ ሕክምናን ተሃድሶን ኣገልግሎት፡ ደገፍ ዜጋታት እውን ከምዘድልዮ ገሊጻ።

Categories