መንእሰያት፡ ባህላውን ስፖርታውን ብቕዓቶም ንኽሕይል፡ ደገፍን ምትብባዕን ሕብረተ-ሰብ ከይፍለዮም፡ ብ28 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ 18 ናይ መባእታ፡ 5 ናይ ማእከላይ፡ 3 ናይ ካልኣይ ደረጃ – ብሓፈሻ 26 ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተሳተፍኦ ቅነ፡ መዛሙር፡ ድራማታት፡ ግጥምታት፡ ከምኡ’ውን ስፖርታዊ ውድድራትን ምርኢታትን ቀሪቡ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል፡ ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ምዂስኳስ መንእሰያትን ምፍታሽ ዝምባለታቶምን ዝህልዎ ተራ ልዑል ብምዃኑ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ክድግፎ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ መምህር ሃይለ ዘወንጌል ድማ፡ እቲ ውድድራት ጐድኒ-ጐድኒ ትምህርታዊ ንጥፈታቶም – ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ጀሚሩ ብደረጃ ክፍሊ ፈሊሙ ብውዕዉዕ መንፈስ ክሰላሰል ምጽንሑን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዞባ ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ከም እተዛዘመን ኣረዲኡ።

ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ 3 ወርቂ፡ 12 ብሩርን 9 ነሓስን ሜዳልያታትን ዋናጩን ከምዝሓፈሰ ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ ዓወት ናይ’ቲ መደብ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመስጊኑ።

Categories