መራሕቲ ማውሪታንያ፡ ሞንጎልያ፡ ሰርቢያን ላክሰምበርግን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማውሪታንያ መሓመድ ውልድ ዓብደልዓዚዝ፡ ፕረዚደንት ሞንጎልያ ካልትማጊን ባቱልጋ፡ ፕረዚደንት ሰርብያ ኣለክሳንደር ቪቺች፡ ከምኡ’ውን መራሒ ላክሰምበርግ ሄንሪ፡ ብስሞምን ብስም ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽትታት፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ ወሲኾም፡ ንረብሓታት ክልቲኡ ወገናት ብዘገልግል፡ ዝምድናታት ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምምዕባል ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

 

Categories