መደበር ጥዕና ጋሕተላይ ብእትህቦ ኣገልግሎትን እተካይዶ ጐስጓሳትን፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝምስገን ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ተሓቢሩ።

ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ዑቕባእንድርያስ ተስፋሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ምስ ናይ 2017 ክነጻጸር እንከሎ ብ95 ሚእታዊት ምንካዩ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሰሪጹ ዘሎ ጥዕናዊ ንቕሓት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንዝበረኸ ውጽኢት እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እታ መደበር፡ ኣገልግሎታት ሕርሲ፡ ፋርማሲ፡ ቀዳማይ ረድኤት፡ መርመራ፡ ምክትታል ዕብየት ህጻናት፡ ምክትታል ነፍሰ-ጾራት፡ ክታበት ህጻናት ከምእትህብ ጠቒሱ ድማ፡ ንዝያዳ ኣገልግሎት ቀጽሪን መጸበዪ ነፍሰ-ጾራትን ክህነጸላ ተላብዩ።

መደበር ጥዕና ጋሕተላይ፡ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ሸባሕ፡ ዓድ-ሹማ፡ ከምኡ’ውን ካብ ደንጎሎ ታሕታይን ማይ-ውዑይን ንዝመጹ ሕሙማት እውን ከምእተገልግል ዝጠቐሰ ነርስ ዑቕባእንድርያስ፡ ዘለዋ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ፡ ንሕሙማት ናብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ ኣብ ምስግጋር ኣዝዩ ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት፡ ልዕሊ 80 ኣዴታት ኣብ’ታ መደበር ጥዕና ከምዝሓረሳ፡ ሰነዳታ ይሕብሩ።

Categories