ብ24 ግንቦት ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ሆላንድ ናይ ዝዓረፈት ገዲም ድምጻዊትን ከራሪትን ጸሃይቱ በራኺ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣስመራ – መካነ መቓብር እንዳማርያም ክፍጸም’ዩ።

ጓል 16 ዓመት እንከላ ዝነበራ ጽምኢ ንምርዋይ ኣብ ዓለም ስነ- ጥበብ ዝተጸንበረት ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ፡ ሓያለ ያታውን ሃገራውን ደርፍታት ዘፍረየትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስነ- ጥበብን ሓርነታዊ ቃልስን ሃገርና ዕዙዝ ተራ ዘበርከተትን ስነ-ጥበበኛ እያ።

ኣብ 1977 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ፡ ንሰብ ሰናይ ምሕጋዝ… ሻሂ ሓጋዝ፡ ትፈደሉ! መሲ ሃትሪክ ሰሪሑ ክሳብ 1981 ዓመተ-ምህረት ንህዝባ ብተወፋይነት ዘገልገለት ሓርበኛ እያ።

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ማሕበር ኤርትራውያን ሙዚቀኛታትን፡ ንመላእ ቤተሰባ፡ ፈተውታን መቓልስታን ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ።

Categories