ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሞያዊ ስልጠናታት ክቐስሙ ዝጸንሑ 98 መንእሰያት – 56 ካብኦም ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ26 ግንቦት ኣብ መሰልጠኒ ማእከል መንእሰያት ዓዲ- ጓዕዳድ ተመሪቖም።

እቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ስልጠና፡ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእሊ፡ መፍረ ንህብን ደርሁን፡ ምዝርጋሕ ኤሌክትሪሲቲን ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓትን፡ ኮምፕዩተር ኤዲቲንግን ግራፊክስን፡ ከምኡ’ውን ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ድራማን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ሓላፊ ክፍሊ ፕሮጀክትታት መንእሰይ ዑስማን ኑር፡ ሰልጠንቲ ብኮሚተታት ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ዝተመመዩ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ንስራሕ ዕድል ዝኸፍት ሞያ ከምዝቐሰሙን ንምትብባዖም ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ክወሃቦም ምዃኑን ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሰልጠንቲ ነቲ ሞያዊ ትምህርቲ ብዓወት ብምዝዛሞም “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ብዝቐሰምዎ ሞያ መነባብሮኦም ብምምሕያሽ ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ዝቐሰምዎ ሞያታት ብስራሕ ብምምዕባል ዓቕምታቶም ንምጉልባት ከይተሓለሉ ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 2015 ንደሓር ኣስታት 800 መንእሰያት ብዝተፈላለየ ሞያታት ሰልጢኖም ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ምህላዎም፡ ሰነዳት ሃማመተኤ ይሕብሩ።

Categories