ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ምውሓስ ድሕነትን መሰላትን ቈልዑ ዘተኰረ፡ ፖሊስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኮሚተታት መሰላት ቈልዑ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን ድባርዋን ዝተሳተፍዎ ርክብ – ኣብ ተራ- እምኒ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ክልቲአን ንኡሳን ዞባታት ናይ ዝተተግበረ መደባት ጸብጻብ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ብልጫታትን ድኽመታትን ተገምጊሙ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ኣሃዱ ድሕነት ቈልዑ ኣቶ ሙሴ ሓድሽ፡ ድሕነት ቆልዑ ንምሕላው ኣቐዲሙ ብደረጃ ትካላት መንግስቲን ብተናጸልን ክካየድ ዝጸንሐ ዕማማት፡ ከም’ቲ ዝድለ ውጽኢት ከመዝግብ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብውህደት ኩለን ዝምልከተን ትካላት ብሓፈሻ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ሃማደኤን ድማ ብፍላይ ዝትግበሩ መደባት ተታሒዞም ይስራሓሎም ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃይለ ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ቈይመን ዘለዋ ኮሚተታት ምኽባር መሰላት ቈልዑ፡ ኣብ ዓድታት ንህዝቢ፡ ኣብ ኣብያተ- ትምህርቲ ድማ ንተመሃሮ ንቕሓት ዘበርኽ ኣስተምህሮታት ብምውዳብ፡ ዝምስገን ኣበርክቶ ይገብራ ምህላወን ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዝካየድ ጐስጓሳት ንከድምዕ ውጽኢቱን ጽልዋኡን በብግዜኡ ብግቡእ ክግምገም ተላብዮም።

Categories