ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ካብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ንዝተዋጽኡ ኣስታት 40 ክኢላታት ሕርሻ፡ ኣብ ምክልኻል ሳጋሚ ባርኖስ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ “ምሕደራ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ብመንገዲ ውሁድ ምክልኻል ባልዓት” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 16 ክሳብ 20 ግንቦት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ፕሮፌሰር ኣዱንያ ሃይለ፡ ንምቊጽጻር ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ሓገዝቲ ኣብ ዝኾኑ፡ ክንክን ግራት፡ ምሕላው እዋን ዘራእቲ፡ ምክያድ ዋህራር፡ ምዝውታር ምቅይያር ኣዝርእቲ፡ ከምኡ’ውን ምክያድ ቀጻሊ ኰለላን ዳህሳስን ኣብ ግራውቲ ኣተኲሩ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ውሁድ ኣገባብ ምክልኻል ባልዓት፡ እቲ ንሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ዘኽእል ዝበለጸ ሜላ ምዃኑ ድማ ኣስሚሩሉ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስልጠና፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሓያል ጻዕሪ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ – ኣምራት ውሁድ ኣገባብ ምክልኻል ባልዓት ኣብ ሓረስቶት ንኽሰርጽ፡ ዓጸፋ ክሰርሑን ብኣብነት ክመርሑን ኣዘኻኺሩ።

Categories