ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳ – ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኦክላንድ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ጽምብል ናጽነት ሃገሮም ብክብ ዝበለ ማዕርግ ኣብዒሎም።

ኣብ ጅዳ – ኣዳራሽ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኻየደ ብርክት ዝበሉ ወለድን ደቆምን ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ጽምብል፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብሃገራዊ ፍቕሪ ተጠሚሮም ንዘካይድዎ ንጥፈታት ዘንጸባረቐ ነይሩ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ሳልሕ ማሕሙድ ሳበ፡ ናጽነት ክውንቲ ዝገበረ – ጽንዓት፡ ተወፋይነት፡ ሓድነትን መስዋእትነትን ምዃኑ፡ ሃገር ዘውሓሰን ዝሃንጽ ዘሎን እውን እዚ ክብሪታት’ዚ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ኦክላንድ ድማ፡ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ብምኽንያት በዓል ናጽነት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት፡ ብ24 ግንቦት ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር’ታ ከተማ ተሰቒላ ከምዝወዓለት ተሓቢሩ።

ሓለፍቲ ምምሕዳር’ታ ከተማ፡ ንጥርናፈን ስነ-ስርዓትን ኤርትራውያን ብምምጓስ፡ እዚ ንካልኦት ማሕበረ-ኮማት ኣርኣያ ክኸውን እምነቶም ገሊጾም።

Categories