ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣበሎ፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት ብምድንፋዕ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ንሳቶም ምስ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ እድሪስ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ዘለዎም ጸገማትን ሕጽረታትን ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተዋደዱ መሰረታዊ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮኦም ኣስተዋጽኦ ይገብሩ’ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ሕርሻን ልምዓት ጀራዲንን ብዝለዓለ ክነጥፉ ከምዝደልዩ ኣብሪሆም።

ኣቶ ያቆብ እድሪስ ብወገኑ፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ብዝካየድ ጻዕሪ ዝረጋገጽ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ተቐማጦ ምምሕዳር ከባቢ ኣበሎ ፍርያት ሕርሻ ንምስሳን ዘሰላስልዎ መደባት ንምዕዋት፡ ብደረጃ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዘድሊ ደገፍ ከምዝግበረሎም ኣረጋጊጹ።

መሰረት ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ያቆብ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ቀጻሊ ወፈራታት ከካይዱ ኣዘኻኺሩ።

Categories