ኣህጉራዊ ፈደረሽን ሰላምን ፍቕሪን፡ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ቡርኪናፋሶን ጆርጅያን፡ ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ጽንብል ናጽነት፡ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ክሪስትያን ካቦረ፡ ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ሰላምን ፍቕሪን ዶክተር ሆንግ ታኦ-ዘ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ጆሴ ግራዝያኖ ዳ-ሲልቫ፡ ከምኡ’ውን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ሚኼል ጃነሊዝ ኣብ መልእኽቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ዕብየትን ተመንዮም።

 

Categories