ኣብ ኢጣልያ፡ ሆላንድ፡ ስዊዘርላንድ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ን24 ግንቦት – መዓልቲ ናጽነት ሃገሮም፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ጸምቢሎምዋ።

ኣብ ከተማታት ሚላኖ፡ ብረሽያ፡ ቦሎኛን ናፖሊን – ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብላት ዝተሳተፉ ዜጋታት፡ ናጽነት ፍረ መስዋእትን ውፉይ ጻዕርን ስለዝኾነት፡ ምዕቃባን ብልምዓት ምድራዓን ሓላፍነት ነፍስ- ወከፍ ኤርትራዊ ምዃኑ ከምዝግንዘቡን፡ ተሳትፎኦም ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ከምዘዕዝዙን ገሊጾም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ እዚ ድሮ ኣካል ክብሪታት ሕብረተሰብና ኮይኑ ዘሎ ምኽባር ሃገራዊ በዓላት፡ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ንምስግጋሩ ልዑል ኣተኲሮ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ መሓዙት ኤርትራ ወጻእተኛታትን ወከልቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ ራይስቫይክ – ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ድማ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ንተጻብኦታት ብጽንዓት በዲህካ ጸብለል ኢልካ ምውጻእ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪጹ ዘሎ ሓያል ናይ መኸተ ባህሊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብውፉይ ዕዮ – ራእይ ህዝብን መንግስትን ከምዝሰምር ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ቶሮንቶን ከባቢኣን – ካናዳ፡ ምስ ሃገሮም ዘለዎም ምትእስሳር ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ዕለተ-ናጽነቶም ጸምቢሎም።

ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ኣቶ ኣሕመድ ኢማን፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ናጽነት ብልምዓት ንምድራዕ ኣብ ሓያል ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ነዚ ምድጋፍን ምንጽብራቕን ዜግነታዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ መልበርንን ከባቢኣን – ኣውስትራልያ ዝገበርዎ ጽምብል ድማ፡ መንእሰያት ብዘቕረብዎ ንኣመጻጽኣ ናጽነትን መድረኽ ምዕቃብ ልኡላውነትን ዘንጸባርቕ ባህላውን ስነ- ጥበባውን መሰናድኦታት ዝማዕረገ ነይሩ።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ንዝተነፍጎ ናጽነቱ ብምርግጋጽ ዋና ሃገሩ ክኸውን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ፡ ንዕለተ-ናጽነቱ ክብሪን ድምቀትን ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኒው-ዚላንድ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንዕለተ-ናጽነት ሃገሮም ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብድምቀት ከምዘብዓሉ፡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories