ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ – ምምሕዳር ከባቢ እምበረሚ፡ ካብ ከበሳ ብዝወረደ ወሓይዝ ኣብ ዝለምዕ ሕርሻ ብዝተገብረ ምድላዳል፡ 396 ሓረስቶት መሬት ሕርሻ ከምእተዓደሉ ተሓቢሩ።

ኣካይዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ ኣቶ ተወልደ ተስፋዝጊ ምስ ህዝቢ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፡ እቲ ዕላማ እቶታውነት ክብ ብምባል መነባብሮ ሓረስቶት ምምሕያሽ ምዃኑ ብምሕባር፡ ጽጉማትን ብደቂ-ኣንስትዮ ዝእለያን ስድራቤታት ተጠቀምቲ ኮይነን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ዕላማ ምድልዳል፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ መሬት ሕርሻ ንምርግጋጽ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ምክራዩ ኮነ ናብ ካልእ ምስግጋሩ ብሕጊ ስለዘሕትት፡ ሓረስቶት ግራውቶም ኣብ ግቡእ መዓላ ከውዕልዎን ብቐረባ ክከታተልዎን ተላብዩ።

ሓረስቶት ብግደኦም፡ እቲ መደብ እቶት ሓርሻ ኣብ ምዕባይ ደራኺ ተራ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ኣብ ምዕዋቱ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

Categories