መራሕቲ ኢጣልያን ሊባኖስን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ብስሞምን ብስም መንግስታቶምን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኢጣልያ ሲኞር ሰርጆ ማታሬላን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ሳዓድ ኣልሓሪሪን ኣብ መልእኽትታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ዓወት፡ ራህዋን ብልጽግናን ድሕሪ ምምናይ፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶምን ኤርትራን ዘሎ ሕውነታዊ ዝምድና ንምምዕባል ዘለዎም ሰናይ ድሌት ገሊጾም።

ፕረዚደንት ሰርጆ ማታሬላ ወሲኹ፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኤርትራን ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና፡ ንሓባራዊ ረብሓ ከምኡ’ውን ንርግኣትን ዕብየትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘገልግል፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ክሰፍሕን ክምዕብልን ድሌት መንግስቱ ምዃኑ ሓቢሩ።

***

Categories