መራሕቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ማታሜላ ሲሪል ራማፎሳን ኣብ መልእኽቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ብተወሳኺ፡ ሰላምን ጸጥታን ንሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ድማ ዝምዝገብ ገስጋስ’ኳ እንተሎ፡ ገና ሓያሎ ብድሆታት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ነዚ ብምግጣም – ሰላምን ጸጥታን ዝዓሰላ ብልጽግቲ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ንምህናጽ፡ ውድቡ ምስ መንግስትን መሪሕነትን ኤርትራ ንምስራሕ ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ማታሜላ ሲሪል ራማፎሳ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ኤርትራን ዘሎ ምዉቕ ሕውነታዊ ዝምድና ንምዕዛዝን ንምድልዳልን ዘለዎ ሰናይ ድሌት ገሊጹ።

Categories