ህዝቢ ኤርትራ፡ ነታ ሕልሚ ወለዶታት ዘግሃደት 24 ግንቦት – ዕለተ ናጽነቱ፡ ሕብራዊ ርሽት ብምትኳስ፡ መብጽዓኡ ንዝበረኸ ዕዮ እናሓደሰ፡ ብባህታን ተድላን ተቐቢልዋ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብቕድሚ ትማሊ 23 ግንቦት – ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኣኸለ፡ ሰማያት ርእሰ-ከተማና፡ ንንውሕ ዝበለ ደቓይቕ፡ ንሕብርታት ሃገራዊ ሰንደቕና ብዘንጸባርቕ ርሽት ኣብ ዝተሰለመሉ፡ ህዝቢ ኣብ ጐደናታት ወጺኡ፡ ነቶም ነዚ ብርሃን ዝዓደሉና ሰማእታትና እናዘከረን ሕድሮም ብዓጸፋ ስራሕ ንምትግባር ቃል እናኣተወን፡ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

ትማሊ ሰዓት 6፡00 ናይ ንግሆ ድማ፡ ንክብሪ ናጽነት – 21 ግዜ መድፍዕ ተተኲሱ።

“ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ብድምቀት ዝጽምበል ዘሎ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ህዝባዊ ጓይላታት፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ከምኡ’ውን ካልእ መሰናድኦታት ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብምውህሃድ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤምባሲ ሩስያን ዝተወደበ ናይ ሙዚቃ ምርኢት፡ ብ23 ግንቦት ኣብ ሲነማ ሮማ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምምስራት ዝምድና ኤርትራን ሩስያን ዝተወደበን ብሩስያዊት ጉጅለ ሙዚቃ ዝቐረበን ምርኢት፡ ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories