ብምክንያት በዓል ናጽነት ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር ሙዚቃን ትልሂትን፡ ብ18 ግንቦት ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት ተዛዚሙ።

ኣብ’ዚ ሰለስተ መድረኻት ዘጠቓለለ ውድድር፡ ብሓፈሻ 15 ናይ ሙዚቃ፡ 7 ድማ ናይ ትልሂት ጉጅለታት ከም እተሳተፋ፡ ካብ ወደብቲ ናይ’ቲ መደብ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ጉጅለታት ሙዚቃ 1ይቲ ዝወጸት ጉጅለ ኣሰር 90 ሽሕ ናቕፋ፡ 2ይቲ ጉጅለ በኒፈር 60 ሽሕ ናቕፋ፡ 3ይቲ ጉጅለ ከዋኽብቲ ሪም 50 ሽሕ ናቕፋ – ካብ ጉጅለታት ትልሂት ድማ 1ይቲ ጉጅለ ስኒት 40 ሽሕ ናቕፋ፡ 2ይቲ ጉጅለ ከዋኽብቲ ሪም 30 ሽሕ ናቕፋ፡ 3ይቲ ድማ ጉጅለ በኒፈር 20 ሽሕ ናቕፋ ተሸሊመን።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ብተወሳኺ፡ ብሉጽ ድምጻዊ መንእሰይ ረዘነ ኣለም፡ ብሉጽ ሙዚቀኛ መንእሰይ ተስፊት ሓጎስ፡ ብሉጽ ደራሲ ዜማ መንእሰይ ኣቢብ ሓይለኣብ፡ ብሉጽ ተላሃያይ መንእሰይ ኤቨን መብራህቱ፡ ብሉጽ ኣላዪ ትልሂት ድማ ኣቶ ስምኦን ኣርኣያ ብምዃን ተሸሊሞም።

ተሳተፍቲ፡ እቲ መደብ ቅዱስ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዝዂስኲስን፡ ንጽምብል ናጽነትና ተወሳኺ ድምቀት ዝሃበን ምንባሩ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ከም ኣካል መደባት ናጽነት ጉጅለ ባህሊ ኣስዋን ናይ ግብጺ – ብ17 ግንቦት ኣብ ሲኔማ ሮማ ምርኢት ኣቕሪባ።

Categories