ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ – ምምሕዳራት ከባቢ ቲሉክ፡ መንሸብ፡ ገድገድን ወቒሮን ብክራማት ባሕሪን ውሕጅ ከበሳን ኣብ ዝለምዐ ዘራእቲ መሸላ ዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምጥፋእ ብዝተወስደ ስጒምቲ፡ ኣብ 490 ሄክታር ዝነበረ መሸላ ተማሕዩ ከምእተቓጸለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ተስፋጽዮን ተኽለሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓረስቶት ኣቐዲሙ ብዝተገብረሎም ጐስጓሳት፡ ንሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ካብቶም ካልኦት ባልዓት ፈልዮም ከለልይዎ ብምኽኣሎም፡ ኣብ’ቲ ዝተሰላሰለ መደብ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጋሽ-ባርካ ካብ ዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ቅድመ-ጥንቃቐ ንምግባር፡ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ብሓፈሻ ኣልማዕቲ ጀራዲን ድማ ብፍላይ፡ ዘራእቲ ዕፉን፡ መሸላን ብልቱግን ናይ ምዕጻድ ስጉምቲ ወሲዶም።

Categories