ካብ 11 ግንቦት ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ ተመሃሮ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ዝንባለታቶም ኣብ ምልላይን ዓቕሚታቶም ኣብ ምብርባርን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ኣብ’ቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ዝተኻየደ ቅነ፡ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኡ 600 ተመሃሮ፡ ኣብ ባህላውን ስፖርታውን ከምኡ’ውን ትምህርቲ- ጠቀስ ውድድራትን መደባትን ከም እተሳተፉ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ካብ መውዓሊ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ ዝተሳተፍኦ ቅነ ተመሃሮ ከም እተኻየደ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ቅነ፡ ቊሸት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ውድድራት ስፖርትን ስነ-ጥበብን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ስነ-ምምህርና ኣቶ ህብትዝጊ ግርማጽዮንን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጎስን ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ኣብያተ-ትምህርቲ መሰረት ኩለንትናዊ ምዕባለ ከም ምዃነን መጠን፡ እቲ ዝሰላሰል መደባት፡ ተወዳዳርነት ተመሃሮ ብዘበርኽን ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ድርኺት ብዝፈጥርን ኣገባብ ክካየድን ብዝለዓለ ውዳበ ክድፍኣሉን ኣዘኻኺሮም።

 

Categories