መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ኣብ ደማም – ስዑዲ ዓረብ፡ ካይሮ – ግብጺ፡ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን፡ “ራኢ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብልዑል ሱታፌ ህዝቢ ብድምቀት ይጽምበል ከምዘሎ፡ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ደማምን ከባቢኣን – ምብራቕ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ዜጋታት ብ11 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ሓላፊት ቈንስላዊ ጉዳያት ኣብ ርያድ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ሃንቀውታ ወለዶታት ንዝኾነት ናጽነት ክውንቲ ንምግባር ዝሓለፉ ሰማእታት ሞሳኦም ብግብሪ ንኽድበስ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ሓድነቶምን ጥምረቶምን ዓቂቦም ኣብ ኩሉ ሃገራዊ መደባት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ እተዘኻኽር ዕለት ምዃና ኣገንዚባ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ካይሮ – ግብጺ፡ ነታ ክብርቲ ዕለት ብልዑል ማዕርግ ኣብ ዘብዓልሉ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ፡ ኣቶ እስማዒል እድሪስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታትን ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ዕብየትን፡ ውጽኢት ሓያልን ንቑሕን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ነቲ በዓል ናጽነቶም ንምድማቕ በብዓመቱ ዘካይድዎ ውድድራት ኲዕሶ እግሪ – ብ13 ግንቦት ጀሚሮምዎ።

ኣብ ጅቡቲ እውን፡ ብ11 ግንቦት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተጸምቢላ።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፋኦ ‘መዓልቲ ኣፍሪቃ’፡ ብ10 ግንቦት ኣብ ሪያድ – ስዑዲ ዓረብ ተኸቢሩ።

ኣብ’ቲ ዕለት፡ ምስ ባህልን ቱሪዝማዊ ጸጋታትን ኤርትራ ዘላሊ፡ ባህላዊ መግብታት፡ ታሪኻዊ ቅርስታትን ካልእ ትሕዝቶታትን ዘጠቓልል ስእላዊ ምርኢት ቀሪቡ።

Categories