መራሕቲ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ፡ ሪፓብሊክ ኮርያ፡ ሪፓብሊክ ኦስትርያ፡ ሓባራዊ ሃብቲ ኣውስትራልያ፡ ህንዲ፡ ንግስነት ሞሮኮ፡ ሊባኖስን መክሲኮን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲታት ሰዲዶም።

ንጉስ ስዑዲ-ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል-ስዑድን ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝን፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮርያ ሙን ጃ ኢን፡ ፈደራላዊ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኦስትርያ ኣለክሳንደር ቫን ደር በለን፡ ዋና ኣመሓዳሪ ሓባራዊ ሃብቲ ኣውስትራልያ ሰር ፒተር ኮስግሮቭ፡ ፕረዚደንት ህንዲ ራም ናዝ ኮቪንድ፡ ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻድሻይ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሊባኖስ ጀነራል ሚሸል ዖንን ፕረዚደንት መክሲኮ ኤንሪኮ ፔና ኖቴን ኣብ መልእኽትታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ ወሲኾም፡ ኩሉ- መዳያዊ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምድንፋዕ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

Categories