ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ክፍለ-ሰራዊት 52 ነበር ኣብ’ቲ ዛዛሚ ኲናት ዝተኻየደሉ ግንባር ደቀምሓረ – ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታት ደቀምሓረ ዝተኸልዎ “ስዉኣትና ንዘለኣለም ኣብ ልብና እዩ ሰፈሮም” ዝተጻሕፎ ሓወልቲ ሰማእታት፡ ብ12 ግንቦት ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ተመሪቑ።

ኣብ’ቲ ብሰልፊ ተመሃሮ ተሰንዩ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣደ-መንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ ክፍለ-ሰራዊት 52 ተጋዳሊት ትርሓስ ዓንደማርያም ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ምትካል ሓወልትን ምብጻሕ ናብ መቓብር ሓርበኛታትን ዘጠቓለለ መደብ፡ ሕድሪ’ቶም ስለ ናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ንምፍጻም፡ ከም ወትሩ ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ከምዘለዉ ዳግም ንምርግጋጽ ዝተወደበ ምዃኑ ገሊጻ።

እቶም ኣባላት ክፍለ-ሰራዊት 52 ነበር፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መቓብር ሰማእታት – ደቀምሓረ ዝገበርዎ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ’ቲ ግንባር ብሓፈሻ ኣብ ከባቢታት ድፋዓት ኣፈልባን ሕረትን ድማ ብፍላይ በጺሖም ነይሮም። ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቀምሓረን ነበርቲ ናይ’ቲ ከባብን ኣብ ዝተሳተፍዎ ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ’ቲ ግንባር ዝተፈጸመ ቅያን ጅግንነትን ብሰብ ውዕሎ ተዘንትዩሎም።

እቶም ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ክፍለ-ሰራዊት 52 ነበር ኣቐዲሞም – ብ11 ግንቦት፡ ናብ ዲጋታት ዓዲ ሃሎን ገርገራን በጺሖም ነይሮም።

ብዛዕባ’ቲ ዛጊት ዝተሰላሰለን ኣብ መስርሕ ዝርከብን መደባት ልምዓትን ዕላማኡን ድማ፡ በብዝምልከቶም ኣካላት መግለጺ ተዋሂብዎም።

Categories