ዝኽሪ መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብልዑል ማዕርግ ንምጽምባል ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ዘመደ፡ እቶም ካብ 18 ክሳብ 24 ግንቦት፡ ኣብ ኣዳራሻት ሲነማታት፡ ኣደባባያት፡ ጐደናታትን ካልእ ቦታታትን ዝቐርቡ መደባት፡ ብቐንዱ ንባህላዊ ብዙሕነትናን ኣብኡ ዘሎ ስኒትን ጥምረትን፡ ሃገራዊ ክብርታት፡ ከምኡ’ውን ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ዘንጸባርቑ ምዃኖም ገሊጹ።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ስፖርታዊ መደባትን ቅነ ናጽነት ኣብያተ- ትምህርትን ዘጠቓልል መደባት ክሰላሰል ከምዝቐነየ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ዘመደ፡ እቶም ናይ ጎደና ምርኢታት፡ ንህጻናት ዘዘናግዑ መሰናድኦታት፡ ምርኢታት ስእሊ፡ ቅርጻ-ቅርጺ፡ ምህዞን ሰንዓን፡ ካርኒቫል፡ ሙዚቃውን ስነ-ጥበባውን ትሕዝቶ፡ ኮማዊ ዳሳትን ህዝባዊ ጓይላን ዘጠቓልሉ ባህላውን ኮማውን መደባት ቅንያት ናጽነት ግና፡ ካብ ዓርቢ 18 ግንቦት ከምዝጅምሩ ሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት ካርኒቫል፡ “ደጀን ህዝባዊ ግንባር” ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ ምዃኑ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከባ 13 ንኡሳን ዞባታት፡ ነተን ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ደጀን ተደኲነን ኣብ ዓወት ናይ’ቲ ቃልሲ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበራ 13 ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ዝውክል ምርኢት ከምዘቕርባ ኣረዲኡ።

ሓባራዊ ጉያ ናጽነት፡ ውድድራት ፍርቂ ማራቶን ደቂ-ኣንስትዮን ማራቶን ኣስመራን እውን ተወዲቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ በዓል ናጽነትን ትርጉሙን ብዝምልከት ኣምባሳደር ዘመደ፡ ዕዮ እቲ እንኮ ራኢኻ እተስምረሉ መገዲ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ – ልዑል ክብሪ ከምዘለዎ ብገስጋስ ናይ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናጽነት ንምምስካር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories