“ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብ14 ግንቦት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ባና – ጐዳይፍ ብወግዒ ዝተጀመረ ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ብውዕዉዕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕን፡ ዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት ከፊቶም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቅነ ናጽነት ኣብያተ- ትምህርቲ ኣብ ገስጋስ ጽላት ዕብየት ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ሕብረተሰብ ድማ ብፍላይ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ጠቒሱ፡ ሎሚ ዓመት ልዕሊ 300 ኣብያተ-ትምህርቲ ዝሳተፍኦ – ንርዝነት ትርጒም ናጽነት ዘንጸባርቕ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ጐዳይፍ ወይዘሮ ትብለጽ ተወልደ ድማ፡ ቅንያት ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣካል ናይ’ቲ ጽምብል ናጽነትና ንምድማቕ ዝሰላሰል መደባት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንተመሃሮን መንእሰያትን ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝገብር ስለዝኾነ ዓቢ ብልጫን ኣገዳስነትን ከምዘለዎ ገሊጻ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 19 ግንቦት ዝቕጽል ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ዝተፈላለየ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ይቐርብ ኣሎ።

Categories