ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ጽበት ክፍልታት ትምህርቲ፡ ጸገም ዝስተ ማይን መጓዓዝያን ንምፍታሕ – ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ፡ ህንጻውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ይሰላሰል ኣሎ።

ብመሰረት’ቲ ዝወጸ ውጥን፡ ኣብ መዝረት፡ ሃበሮ ጻዕዳ፡ ኣፍዓዩን፡ ቃርዖበልን ፍልፍለን ብጠቕላላ 25 ተወሰኽቲ ክፍልታት ትምህርቲ፡ ሽግር ዝስተ ማይ ህዝብን ጥሪትን ንምፍታሕን መስኖኣዊ ሕርሻ ንምምዕባልን ድማ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መዝረት ዲጋ ትስራሕ ከምዘላ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍትዊ ገብረመስቀል፡ ካብ ፍልፍል ክሳብ መዝረት ዝኣቱ ልዕሊ 70 ኪሎ ሜተር ጽርግያ፡ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ብዝምችእ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ንምምሕያሹ ዝተጀመረ ስራሕ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ እዚ ዕማም’ዚ ድማ ኣብ ስሉጥነት ትግባረ ናይ’ቲ ካልእ ፕሮጀክትታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ኣረዲኡ። ንምጥርናፍ ዓድታት ብዝምልከት ድማ፡ እቲ መደብ 95 ሚእታዊት ዕዉት ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ 11 መዋእለ ህጻናት፡ 10 ናይ መባእታ፡ ሸውዓተ ናይ ማእከላይ ደረጃ፡ ሓንቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዝርከብአን 29 ትካላት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ማእከል ጥዕና እትርከበን ሰለስተ መደበራት ጥዕና ተዋዲደን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ንምትእትታው ድማ መስመር ተዘርጊሑ ከምዘሎ፡ ኣቶ ፍትዊ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ጸገም ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምቅላል ምስ ኩባንያ ሓራት ምርድዳእ ይግበር ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ታወር ብምትካሉ እውን ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ንምርካብ ትስፉዋት ምዃኖም ገሊጹ።

Categories