ኣባል ስታፍ ሎጀስቲክስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ገዲም ተጋዳላይ ያሲን ዓብደልባሪ መሓመድ (ወዲ-ባሪ)፡ ብሕማም ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኡ፡ ብ13 ግንቦት 2018 ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸንበረ ተጋዳላይ ያሲን፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ዝተፈላለያ ክፍልታትን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪታትን ትካል ወተሃደራዊ ስፌትን ተመዲቡ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ያሲን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ትሽዓተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ 14 ግንቦት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ስታፍ ሎጀስቲክስ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ያሲን ዓብደልባሪ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories