ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰረጀቓን ጋላ- ነፍሒን፡ ብ9ን 10ን ግንቦት፡ ብዛዕባ ልምዓታዊ መደባትን ተራ ኮም ኣብ ትግባረኦምን ዝዘተየ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣብቶም ዝሰላሰሉን ንትግባረ ዝበጋገሱን ዘለዉ ናይ ልምዓት ንጥፈታት መብርሂ ክህብ እንከሎ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ድማ፡ ንጉዳይ ጤሳ፡ መለሳ መሬት፡ ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ትሕተ-ቅርጺን ካልእን ሓበሬታ ሂቦም።

ተሳተፍቲ፡ ንምዕዳል ጤሳ፡ ሕሩም ሕዛእቲ፡ ጉዳይ ተኻረይትን ኣካረይትን ዝምልከት ሕቶታት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከልን ዝምልከቶም ሓለፍትን ድማ መብርሂ ሂቦምሉ።

ኣብ’ቲ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣቦ- መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ፡ ኣመሓደርቲ’ተን ንኡሳን ዞባታት፡ ዋና ዳይረክተራት ክፍልታት ህንጻዊ ልምዓት፡ ሕርሻን መሬትን፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርቲን፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ማእከል ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories