ናብ ታሪኻውን ጥንታዊ ቅርስታት ዝሓቘፈን ቦታታት ዝግበር ዑደት፡ ኣካል ዓመታዊ ካላንደር ትምህርቲ ክኸውን፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሰምሃር – ባጽዕ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ናብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ዑደት ዝገበሩ ተመሃሮ፡ ብዓይኖም ዝተዓዘብዎን ብኣባላት ቤተ-መዘክር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዋህቦም መግለጽን፡ ብዛዕባ ታሪኽ’ታ ጥንታዊት ወደብን ኣብ ከባቢናን ዞባናን ዝነበራ ኣገዳስነትን ንዝጸንሖም ኣፍልጦ ከምዘሀብተሞን ከምዘስፈሖን ሓቢሮም።

ነቶም ተመሃሮ መግለጺ ዝሃቡ ክኢላታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዘይ ስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ዝተኻየደ ኲዕታ፡ ኣብ ቅርስታት ከፊላዊ ዕንወት ከምዘውረደ ብምሕባር፡ ምስጢር’ታ ጥንታዊት ወደብ ንምፍላጥ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብምትሕብባር ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ክኢላታት፡ ናይ መጽናዕቲ፡ ዳህሳስን ኲዕታን ተበግሶታት ተወሲዱ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

“ካብ’ቲ 40 ሄክታር ስፍሓት ዘለዎ ከባቢ፡ ዛጊት ሓደ ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ተዳህሲሱ ዘሎ” ዝበሉ’ቶም ክኢላታት፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት – ንግዳዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቊጠባውን ፖለቲካውን ምትእስሳር ዝነበራ ጥንታዊት ኣዱሊስ፡ ብታሪኻን ኣብ ከርሳ ሓቚፋቶ ብዘላ ባህላዊ ውርሻታትን፡ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ንመጽናዕቲ ከምዝብህግዋ ገሊጾም።

መማህራን ብወገኖም፡ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ተደኲናትሉ ዝነበረት ከባቢ፡ ብዛዕባ ስነ-ጥንትን ስነ-ምድሪን ብግብሪ ክትመሃረሉን ክትመራመረሉን እትኽእል ብምዃኑ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገዳስነቱ ተገንዚበን ዑደት ክሰርዓ ኣዘኻኺሮም።

ጥንታዊ ወደብ ኣዱሊስ፡ ካብ ከተማ ባጽዕ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ 56 ኪሎ- ሜተር፡ ካብ ሓውሲ ከተማ ፎሮ ድማ 6 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ምብራቕ ርሒቓ ትርከብ።

Categories