ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻርን ንምጥፋእን ብዝሰላሰል ዘሎ ወፈራታት፡ ብመስኖ ኣብ ዝለምዐ ጀራዲን በቚሉ ዝነበረ ዓፋፉን ተማሕዩ ከምእተቓጸለ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማዕረባ፡ ሓዲዳ፡ ደግራ-ልብኤ፡ ሔቦ፡ ኣኽሩር፡ ብርኪቶ፡ ዓዲ-ሓዲድ፡ ዓዲ-ዂታ፡ በራቒት፡ ዓዲ-ቀይሕን ሓድሽ-ዓዲ ብጉነይን ኣብ 90 ሄክታር ዝተኻየደ ወፈራታት፡ ኣድማዒ ከምዝነበረ፡ ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣቶ መብራህቶም ኪዳነ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብማዕከናት ዜናን ኣኼባታትን ንሓረስቶት ዝተዋህበ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ኣብ ዓወት ናይ’ቲ ስራሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ዝሓበረ ኣቶ መብራህቶም፡ ሓረስቶት ግራውቶም ብግቡእ ክከታተሉን ኰለላታት ከካይዱን ተላብዩ።

ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ፡ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ንምቊጽጻሩ ምእንቲ ክከኣል፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ምምሕዳራትን ህዝብን ብምትሕብባር ሓያል ጻዕርታት የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Categories