ፋርማስቲካዊ ማሕበር ኤርትራ፡ እዋናውን ሓድሽን መድሃኒት-ጠቀስ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕልላፍን ምስ ካልኦት ጽላታት ናይ’ቲ ዓውዲ ብምትሕብባርን፡ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ሃገርና ክብ ንምባል እጃሙ የበርክት ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር – ፋርማሲስት ኣብርሃም እንድርያስ፡ ሞያ-ጠቀስ ሕግታትን መምርሒታትን፡ ንመሰል በዓል ሞያን እቲ ሞያ ብቐንዱን ዝሕልዉ ምእንቲ ክኾኑ፡ ሓሳብ ኣብ ምሃብን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ምምሕያሻት ክግበር ኣብ ምጥባቕን፡ ከምኡ’ውን ንኣባላት ማህደረ-ትምህርቲ ዝርከበሉ ዕድላት ኣብ ምፍጣርን ሞያ-ጠቀስ መደባት ትምህርቲ ኣብ ምስራዕን ከምዝነጥፍ ኣረዲኡ።

ማሕበር፡ ኣባል ኣህጉራዊ ፈደረሽን ፋርማስቲካዊ ማሕበራት ምዃኑን፡ ዓመታዊ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝዳሎ መጽሔት ከምዘሕትምን ዝሓበረ ፋርማሲስት ኣብርሃም፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ፋርማሲታት ከምዝሓቊፍን ኣስታት 200 ቀወምቲ ኣባላት ከምዘለውዎን ኣረዲኡ።

ኣቶ ኪዳነ ወልደሱስ፡ እቲ ማሕበር፡ ኣስተምህሮታት ብምስራዕን ጽሑፋት ብምዝርጋሕን፡ ንቕሓት ሕብረ-ተሰብ ኣብ ተጠቃምነት መድሃኒት ንምብራኽ ከምዝነጥፍ፡ ከምኡ’ውን ምድላው ካሪክለም ትምህርቲ ፋርማሲ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ንጥፈታቱ ምዃኑ ገሊጹ።

ፋርማስቲካዊ ማሕበር ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1992 ዝተመስረተ ሞያዊ ማሕበር’ዩ።

Categories