ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ጌሪዳ – ንኡስ ዞባ ጎኜ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብ ዕንወት ከምዘውረደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

በቲ ባርዕ፡ ኣብ 40 ሄክታር ዝነበረ ዓርኮካባይ ዝርከቦ ብውሑዱ 400 ዓበይቲ ኣግራብ ከምእተቓጸለ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሙሴ ባህታ ገሊጹ።

እቲ ባርዕ፡ ጓሶት ከየጥፍኡ ካብ ዝሓደግዎ ሓዊ ብዝነቐለ ቊልዒ ከምእተኸስተ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣቶ ኣድም ሳምራ፡ ሰለስተ ኣእዱግ እውን ከምዝሞታ ገሊጹ።

ብ5 ግንቦት ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ – ምምሕዳር ከባቢ ፋንኮ ብዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ልዕሊ 200 ኣባጊዕ ከምዝሞታን፡ ኣስታት 16 ሄክታር ዕሙር ኣግራብ ከምእተቓጸለን ተሓቢሩ ነይሩ እዩ።

Categories