ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 190 ዓድታት ኮም ዝሰረቱ መደባት ከባቢያዊ ጥዕና ኣተኣታትየን።

ኣባላት ኣሃዱ ከባብያዊ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ፡ መቐጸልታ ናይቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምግታእ ዝሰላሰል ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ንዘርእይዎ ዘለዉ ምትሕብባር ሞጒሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 30 ዓድታት ተጠቀምቲ ኮም ዝሰረቱ መደብ ከባቢያዊ ጥዕና ኮይነን ምህላወን፡ እዚ ድማ መርኣያ ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ዝገለጹ’ቶም ሞያውያን፡ ስድራ-ቤታት ኣብ ምስራሕ ዓይኒ-ምድሪ ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ክላዘባ ኣዘኻኺሮም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሮብሮብያ ኣብ ዘተኣታተውዎ ኮም ዝሰረቱ መደባት ከባቢያዊ ጥዕና ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ፡ ዝበዝሓ ምምሕዳራት ከባቢ ተጠቀምቲ ናይቲ መደብ ኮይነን ከምዘለዋ ብምሕባር፡፡ ዝተረፋ ኣሰረን ክኽተላ ጸዊዑ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ከባብያዊ ጥዕና ዶክተር ዘሙይ ኣለሙ፡ ኣብ ንጽህና ኣከባቢ ዝካየድ ወፍሪ ውጽኢታዊ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ንምስፍሑ ሚኒስትሪ ጥዕና ቀጻሊ ምክትታል ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።

Categories