ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገልዓሎ፡ ሓልሓልን ሓመልማሎን፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ቅነ፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠትን ስነ-ጥበብን፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ባህላዊ መነባብሮን ኣልባሳትን ዘጠቓልል መሰናድኦታት ከምዝቐረበ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ሓለፍቲ ትምህርቲ ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ንጥፈታት ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዓይነትን ትሕዝቶን እናማዕበለ ብምምጽኡ ዝንባለ ተመሃሮ ኣብ ምፍታሽን ምዂስኳስን ከምዝሓገዘ ብምሕባር፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ንዝተሓባበሩ ኣካላት ኣመስጊኖም።

ኣመሓደርቲ ብወገኖም፡ ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ባህሎምን ልምዶምን ኣብ ምልላይን ኣድማሳዊ ፍልጠቶም ኣብ ምስፋሕን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ጠቒሶም፡ ኣካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ንዓወቱ ብውህደት ክሰርሑ ጸዊዖም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ መደባት፡ ንዕዉታት ተመሃሮን ኣብያተ-ትምህርትን ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories