ምጅማር ወርሒ ሮሞዳን እተበስር ሂላል፡ ሰሉስ 15 ግንቦት ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ስለ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኩሎም ኣመንቲ ነዚ ንምርግጋጽ ትኲራት ኰይኖም ክከታተሉ፡ ምውጻኣ ዘረጋገጸ ድማ፡ ናብ ዝቐረበ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ወይ መጅልስ ኣውቓፍ ቀሪቡ ምስክርነቱ ክህብ ይሕተት።

በዚ መሰረት፡ ዝኾነ – ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ዘረጋገጸ ጨንፈር ቤት- ጽሕፈት ኢፍታእ ወይ መጅልስ ኣውቓፍ፡ ብቚጽሪ ቴለፎን 124288 ናብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ብምድዋል ክሕብር ኣለዎ።

ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምስ ዝረጋገጽ፡ ጾም ረቡዕ 16 ግንቦት ይጅምር። ምስ ዘይረጋገጽ ድማ ምጅማር ጾም ሮሞዳን ሓሙስ 17 ግንቦት ይኸውን።

ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን – ኣስመራ

Categories