ወለዶታት፡ ምዕሩይ፡ ውርጹጽን ብማዕረ ዘርብሕን ተጠቃምነት መሬት ንኽህልዎም፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳምነት ሂቡ ዝዓዪየሉ ዘሎ ምዃኑ፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ ገሊጹ።

ሚኒስተር ተስፋይ ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣቐዲሙ፡ ነቲ ማሕበረ-ቊጠባዊ ኣቃውማኡ ዘንጸባርቕን ንዓኡ ዘገልግልን ስርዓተ-ትሕዞ መሬት ከምዝነበሮ፡ ምስ ምምጻእ መግዛእታዊ ስርዓታት ዝነበረ ኣተሓሕዛ መሬት ግን፡ ንቕድሚት ዘየሰጒም ጥራይ ዘይኮነ፡ ጠንቂ ዘይምዕሩይ ትሕዞ መሬት ከምዝነበረ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ዓድታት ምስሕሓብ ይፈጥር ምንባሩ ኣረዲኡ። ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝተመርኰሰ ስርዓተ-ትሕዞ መሬት ንኽህሉ ብኣጋኡ ከም እተሰርሓሉን፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ኣዋጅ ቊጽሪ 58/1994 ከምዝወጸን ድማ ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ ኣብ ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 31/1997፡ ዝርዝር ኣጠቓቕማ መሬት ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ንጹር መምርሒታት ከምዝወጸ፡ ብፍላይ ኣብ ቀዋሚ ዓድታት፡ ግቡኡ ዘማልአ መሬት ምስ ተዋህቦ ክሳብ ብህይወት ዘሎ ከልምዓሉን ከውፍረሉን ዘኽእል ኣተሓሕዛ ቀስ-ብቐስ ንምትእትታው መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ኣተገባብራ መምርሒታት ምሕደራ መሬት ከጋጥሙ ዝጸንሑ ጸገማት፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት መአረምታ ከም እተገብረሎም እውን ኣነጺሩ።

ሚኒስተር ተስፋይ፡ ኣዋጅ መሬት ካብ ዝወጽእ ንደሓር፡ ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 120 ሽሕ ቃጽዖታት ንጤሳ፡ ንመንበሪ ኣባይቲን ትካላትን ከም እተዓደለ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ምስ ምስፋሕ ከተማታትን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን ኣብ ሰለስተ ዞባታት – ብዓይነት ሓፈሻዊ ምክፍፋል መሬት ከም እተገብረ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውህሃድ እውን ንዝርዝር ውጥን መዓላኡ መደብ ከም እተታሕዘ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ተስፋይ፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ቊጠባውን ማሕበራውን ረብሓኡ ዝተመስከረሉን ዝጸደቐን ፕሮጀክት፡ ኣብ ዝጥዕምን ዘድምዕን ከባቢ መሬት ንምርካብ ዝዕንቅጽ ነገር ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝተራእየ መሬት ናይ ምሻጥን ምልዋጥን መስርሕ፡ ኪኖ ምጥሓስ ሕጊ፡ ኣብ ቊጠባ ሃገር’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ፡ ነዚ ንምእራም ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ብምቛም ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 22 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ “ንግዲ ብመሬት” – ሸየጥቲ፡ ዓደግቲ፡ ኣማጻእትን ጸሓፍቲ ጉዳያትን ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ።

ነቲ ጥሕሰት ሕጊ ዘጻርያ ኣብ ዞባታት ዝቘማ ሓይልታት ዕማም፡ ንጉዳያት ሓደ ብሓደ ብምርኣይ፡ ንዝወጸ መምርሒ መቕጽዒ ጥሕሰት ሕጊ መሬት ተኸቲለን ውሳነአን ከምዝሃባ፡ እዚ መስርሕ እናተኻየደ እንከሎ ድማ መምርሒ ብምጥሓስ ዝተሃንጹን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝበጽሑን ስራሓት ህንጻ ስለዘጋጠሙ፡ ኣራሚ ናይ ምፍራስ ስጒምቲ ከም እተወስደሎም ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሴ፡ መሬት ዝተዋህቦ ዜጋ፡ ብኸምቲ ሕጊ ዘፍቅዶ መሰረት ክጥቀመሉ፡ ካብ’ቲ ዝተሓተተ መዓላ ናብ ካልእ ንምልዋጥ ምስ ዝድለ ድማ፡ ብኣፍልጦን ፍቓድን ናይ’ቲ ዝሃበ ኣካል ክኸውን፡ ኣብ መሬት ዝተገብረ ወፍሪ ይኹን ህንጸት ክምዝገብ ከምዝግባእ፡ ከምኡ’ውን ዝተዋህበካ መሬት ኣብ ጥቕሚ ከየውዓልካ ከም ትሕጃ ክትልቅሓሉን ክትወሓሰሉን ዘጋጥም ተርእዮታት ክውገድ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

Categories