ብ5 ግንቦት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ፋንኮ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ጥሪትን ኣግራብን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዘጋጠመን ጠንቁ ዛጊት ኣብ መርመራ ዘሎን ባርዕ፡ 206 ኣባጊዕ ክሞታ እንከለዋ፡ ኣስታት 16 ሄክታር ዕሙር ኣግራብ ከምእተቓጸለ፡ ኣብ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን – ሓላፊ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ ንኤሪና ሓቢሩ።

እቲ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዘሎ ሕርሻ ገጹ እውን ክቕጽል ዝፈተነ ሓደገኛ ባርዕ፡ ብተሳትፎ ናይ ክልተ ካብ ተሰነይ ሓንቲ ድማ ካብ ሃይኮታ ዝመጻ መጥፋእቲ ሓዊን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከም ዝወዓለ፡ ኣቶ ሓይለዝጊ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘሎ ድሩቕ ንፋስ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር – ሓረስቶትን ጓሶትን፡ ዝተጠቕምሉ ሓዊ ብግቡእ ምጥፋኡን ዘይምጥፋኡን ከረጋግጹ፡ ኣቶ ሓይለዝጊ ኣዘኻኺሩ።

Categories