ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ባህርያውያንን ሰብ-ሰርሖምን ሓደጋታት ንምልላይን፡ ሳዕቤናቶም ንምግታእን ንምንካይን ዝሕግዙ ሜላታት ንምንዳይን፡ ብ27 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ዘተ ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ክፍልታት ዞባን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ ክኢላ ስነ-መሬት ፕሮፌሰር ገብረብርሃን ዑቕባዝጊ፡ ኣቐዲምካ ዝግበር ምድላዋት ኣብ ምንካይ ሳዕቤናት ሓደጋታት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ተርእዮታት ባህርያውያንን ሰብ-ሰርሖምን ሓደጋታትን ምኽንያት መንቀሊኦምን ፈሊጥካ ንምፍዋሶም ምእንቲ ክከኣል፡ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ኣፈናዊ ዳህሳስ ምክያድ መሰረታዊ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ምብራስ ኣግራብ፡ ብከላ መሬት፡ ብመጽናዕቲ ዘይተሰነየ ኣደዃዂና ትሕተ-ቅርጺን ካልኦትን ካብ’ቶም ሰብ- ሰርሖም ጠንቂታት ሓደጋታት ምዃኖም ዝሓበረ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን፡ ነዞም ተርእዮታት ንምምካት ውህደት ኩሎም ኣካላት መንግስትን ሕብረተ-ሰብን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ፡ ናብ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዝቐንዐ ኣስተምህሮታት ክወሃብ፡ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ሓደጋታት ዝከታተልን ሓበሬታ ዝህብን ነብሱ ዝኸኣለ ትካል ክቐውም፡ ናይ ሓበሬታን ዳህሳስን ማእከላት ኣብ ዞባታት ክምስረታ። . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories