እምባትካላ ዝመደበሩ፡ ኣብ ምምሕያሽ ምሕደራ ትካላት ዝነጥፍ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ን45 ህዝባውን መንግስታውን ትካላት፡ ስትራተጂያዊ ውጥን ስራሕ ኣብ ምምዕባል ዝሕግዝ ስልጠና፡ ከምኡ’ውን ንብሉጽ ምሕደራ ዘድሊ ናይ ምኽሪን መጽናዕቲን ኣገልግሎታት ከምዝሃበ ሓቢሩ።

ግዝያዊ ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያም፡ ከም ኣካል ዳግመ-ስርርዕ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ኣብ 2006 ዝተመስረተ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ፡ ውዳበን ስርዓተ-ስራሕን ትካላት ንምምሕያሽ ብዝሓዞ መደብ፡ ዛጊት ኣብ 10 ሚኒስትሪታት፡ 6 ምምሕዳራት ዞባ፡ 14 ናይ ህንጻ ኩባንያታት፡ 5 ኰለጃትን 10 ካልኦት ህዝባውን መንግስታውን ትካላትን፡ ልዕሊ 1620 ኣባላት ኣብ ዝተሳተፍዎ ግብራዊ ስልጠና፡ ዝጸንሐ ስርዓተ-ምሕደራ ብምኽላስ፡ ስትራተጂያዊ ውጥን ናይ’ተን ትካላት ኣብ ምምዕባል ከም እተደጋገፈ ኣብሪሁ።

“ኣብ ኰለጃት፡ ብዓውዲ-ምሕደራ ትምህርቲ ዝወሃብ እንተኾይኑ፡ ኣገዳስነት ምቛም ናይ’ዚ ማእከል’ዚ እንታይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዶክተር ኣቤል፡ እቲ ማእከል ናብ ውልቀ-ሰባት ዘይኮነ ናብ ትካላት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ፡ ተልእኾኡ ድማ፡ ኣብ መንግስታዊ፡ ህዝባውን ብሕታውን ትካላት ዘሎ ምሕደራን ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ብዓይነት እናተመሓየሸ ብምኻድ፡ ኣብ ዝበለጸን ዘዕግብን ደረጃ ንኽበጽሕ ምድራኽ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

“ምሕደራ ቀጻሊ ምምሕያሽ ዝጠልብ መስርሕ’ዩ” ዝበለ ዶክተር ኣቤል፡ እቲ ማእከል ዝኽተሎ ኣገባብ ስልጠና፡ ነቲ ስራሕ ዘካይዱ ኣባላት፡ ብምኽሪ ኣሰልጠንቲ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ፡ ዝጸንሐ ኣሰራርሓኦም ብልጫታቱን ሕጽረታቱን ባዕሎም ከምዝግምግሙ ብምግባር፡ ክቕየርን ክመሓየሽን ዝግብኦ መዳያት ምንጻርን ምውሳንን ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

እቲ ማእከል፡ ብዘይካ ኣብ ስልጠና፡ ብጠለብ ዓማዊል ኣብ ኣገልግሎት መጽናዕቲን ምኽሪን’ውን ከምዝነጥፍ ጠቒሱ ድማ፡ ማዕረ’ቲ ንካልኦት ትካላት ዝህቦ ኣገልግሎት፡ ዘለዎ ሕጽረታትን ብድሆታትን ብምፍታሕ፡ ዓቕሚ-ሰቡን መሳለጥያታቱን ንምምዕባል ብቐጻሊ ዝሰርሓሉ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተራ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ማእከል ምሕያልን፡ ፋይናንስያዊ ስርዓትን ናይ ስነዳ ኣገባባቱን ምምዕባልን፡ ናይ ቀረባ መጻኢ መደባቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ጽልዋ ናይ’ቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ስልጠናታትን ናይ ምኽሪን መጽናዕቲን ኣገልግሎታትን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነዚ ንምግምጋም መጽናዕቲ ተኻዪዱ ምንባሩ ብምሕባር፡ ምምሕያሽ ስርዓተ-ምሕደራ ዘየቋርጽ መስርሕ ምዃኑ ኣፍልጦን ንቕሓትን ኣብ ምዕባይ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ፡ ነቲ ዝተዋህበ ስልጠናታት ተኸቲለን ስትራተጂያዊ ውጥን ዘዳልዋ ትካላት ምርኣይ ድማ ንጽልዋኡ ዘመልክት ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories