ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ፡ ኣብ ጽላት ጥዕና – ኣብ ምጉልባት ትካላትን ኣብ ምዕባለ’ቲ ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ሜዲካል ዳይረክተር ኮማዊ ሆስፒታል ጐዳይፍ ነርስ መንግስ ይስሓቕ ሓቢሩ።

“ኮማዊ ሆስፒታል ጐዳይፍ ዝህቦ ዘሎ ዝተማልአ ኣገልግሎት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ’ዩ” ዝበለ ነርስ መንግስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣገልግሎት ላባራቶሪ፡ ኤክስረይ፡ ነጸርታ ሕማም ቲቢን ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስን፡ ከምኡ’ውን ሕክምና ሕማማት ዓይኒን ስኒን ዝህቡ ብቑዓት ሞያውያን መሰረታዊ ናውትን መድሃኒትን ስለዝተማልአ፡ ዝምስገን ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል፡ ምክትታልን ፍወሳን ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ከምኡ’ውን ክታበት ህጻናት፡ መዓልታዊ ካብ ዝሰላሰል ንጥፈታት ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ 2017 ንኣስታት 50 ሽሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ከምእተዋህበ ኣረዲኡ።

ናይ መጻኢ መደብ ብዝምልከት፡ ነርስ መንግስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ደው ኢሉ ዝጸንሐ ሕክምና መብጣሕቲ ዓይኒን መወለዳንን ክጅመር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ተገልገልቲ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝወሃብ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓቶም ልዑል ተራ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ጐዳይፍ፡ ብዘይካ’ቲ ስሩዕ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት’ውን ናይ ግሊ ኣገልግሎት ሕክምና ይወሃብ’ዩ።

Categories